ኣብ መስርሕ ምድጅታል ኣገልግሎታት ፈነወታት ቴሌቪዥንን ሬድዮን ኤርትራ ዝሕግዝ ስልጠና፡ ትማሊ 23 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ተኸፊቱ።

ኣብ’ዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜናን ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራን ዝተወደበ ንሰለስተ ሰሙን ዝቕጽል ስልጠና፡ 45 ኣባላት ኣሃዱታት ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ምህንድስናን ሚኒስትሪ ዜና ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ’ቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ምምዕባል ዓቕሚሰብ ዝግበር ማህደረ-ትምህርቲን ሓጸርቲ ስልጠናታትን ዘጠቓልል ሽርክነታዊ መደባት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ተጠቀምቲ ንምግባር ኣብ ውሽጢ ሃገር ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስ ሊዋንግ ብወገና፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኤርትራን ቻይናን 25 ዓመቱ ኣብ ዘቚጸረሉ፡ ቻይናውያን ክኢላታት ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ስልጠናታት ክህቡ ምብቅዖም፡ ነቲ ዝምድና መሊሱ ዝድርዕ ከምዝኾነ ኣብሪሃ።

እቲ ክሳብ 10 ነሓሰ ዝቕጽል ስልጠና፡ ንጹርነት ድምጺ ኣብ ፈነወ ሬድዮን ኣገዳስነቱን፡ ድጅታዊ ፈነወ ኣብ ኤፍ.ኤም ባንድ፡ ድጅታላዊ ፈነወን ዝርጋሐን ቴሌቪዥንን ረብሓታቱን ከምኡ’ውን ምስኡ ዝተተሓሓዘ መዳያት የጠቓልል።

Categories