ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፡ ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን መሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታትን 143,325 ዶላር ኣበርኪቶም።

ካብ’ቲ ብመንገዲ ኤምባሲ ኤርትራ ናብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዝተላእከ ገንዘብ፡ እቲ 123,885 ዶላር ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንደበስ ስድራ ስዉኣት ኣታዊ ከምዝኾነ፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ‘ማሕበር ፍኖተ ሰማእታት’ ኣብ እስራኤል፡ መንእሰያት ኣብ ምንባይ ስድራ ስዉኣት ተራኦም ንከዕዝዙ ብዘካይዶ ዘሎ ጐስጓስ፡ 27 መንእሰያት ሓሓንቲ ስድራ ስዉኣት ክናብዩ ብዝወሰድዎ ሓላፍነት፡ ነፍሲ-ወከፎም 720 ዶላር፡ ብድምር 19,440 ዶላር ከፊሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሰለሙን ክንፈ፡ ዜጋታት ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ንምንባይ ንዝወስድዎ ዘለዉ ግብራዊ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ብዝለዓለ ክቕጽልዎ ተላብዩ።

Categories