ካብ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲን መሻርኽቲ ሃማደኤን ዝተወከላ ደቂ-ኣንስትዮ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል መንደፈራ ንዝርከባ ግዳያት ፊስቱላ፡ ዋጋ 36 ሽሕ ናቕፋ ናውቲ ንጽህናን 11 ሽሕ ናቕፋን ኣበርኪተን።

ብዛዕባ’ቲ ብውዱብ መንገዲ ብ16 ሓምለ ዝተኻየደ ምብጻሕ፡ ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ወይዘሮ ሳሊሓ መሓመድብርሃን፡ እቲ ዕላማ – ዓቕመን ብምብርካት ንምትብባዐን ከምዝኾነ ሓቢራ።

ሜዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዶክተር ስምኦን ወልዱ ድማ፡ ግዱሳት ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንተሓከምቲ ፊስቱላ ዝገብርዎ ሞራላዊ፡ ንዋታውን ገንዘባውን ሓገዛት፡ ንባህሊ ምድግጋፍ ሕብረተ-ሰብና ዘንጻባርቕን ንተሓከምቲ ዘባራትዕን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ መወከሲ ሆስፒታል ክኢላ መወልዳንን ሕክምና ፊስቱላን ዶክተር ሃብተ ሃይለመለኮት ብወገኑ፡ ብሰንኪ ዕጉት ሕርሲ ዘጋጥም ፈስቱላ፡ ንኣካላዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ሽግራት ዘቃልዕ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገም ምዃኑ ብምሕባር፡ ጠንቂ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ሕርሲ ካብ ሕክምና ወጻኢን ክውገዱ ተላብዩ።

Categories