ኣብ ሆስፒታል ኣፍዓበት፡ ካብ ንኡሳን ዞባታት ኣፍዓበት፡ ናቕፋ፡ ቅሮራን ኣዶብሓን ዝመጹ 145 ዜጋታት መብጣሕቲ ሓበላ ተገይሩሎም።

እቶም ዜጋታት፡ ካብ 3 ሓምለ ጀሚሩ ንኣስታት 10 መዓልታት ኣብ 629 ሰባት ብዝተገብረ መርመራ ዓይኒ ዝተለለዩ ምዃኖም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ክኢላ መብጣሕቲ ዓይኒ ዶክተር ብእምነት ተስፋልደት፡ ቅድሚ ሕጂ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ናብ ባጽዕ እናኸዱ ኣገልግሎት መብጣሕቲ ይረኽቡ ምንባሮም፡ እዚ ግዳ ምስ ራሕቂ – ሃልኪን ወጻኢታትን ከምዝነበሮ ሓቢሩ።

ተሓከምቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሆስፒታል ኣፍዓበት እኹል ናውቲን ክኢላታትን ብምዕጣቑ፡ ብቐረባ ብቑዕ ኣገልግሎት ክረኽቡ ምብቅዖም ገሊጾም።

መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣፍዓበት ነርስ ኣስራት ኣሚነ፡ 137 ሰባት ኣብ ቀረባ መጻኢ መብጣሕቲ ክግበረሎም ቈጸራ ተታሒዙሎም ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories