ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሚኒስተር ትምህርቲ ሰመረ ርእሶም፡ ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ብ20 ሓምለ መዚዝዎ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝኸተማሉ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘለዎ ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ ዝብል ዓንቀጽ ከምዝርከቦ ዝዝከር’ዩ።

ምምዛዝ ኣምባሳደራት ድማ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ትስፉው መስርሕ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ’ዩ።

ኣምባሳደር ሰመረ ርእሶም፡ ብደረጃ ሚኒስተር’ዩ ነዚ ሓድሽ ሽመት ተመዚዙ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፡ ብ18 ሓምለ ንኣቶ ርድዋን ሑሴን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ገይሩ ምሻሙ ይዝከር።

ኣምባሳደር ሰመረ ቅድሚ ሕጂ፡ ከም ኣምባሳደር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ከም ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኰይኑ ሰሪሑ’ዩ።

Categories