ኣብ ንኡስ ዞባ ላዕላይ-ጋሽ፡ ብሞያ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝሰልጠና 25 ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪቐን።

ኣብ ሃማመተኤ ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ፖለቲካን ውዳበን ኣቶ ማሪቆስ ግርማጽዮን፡ ዕላማ’ቲ ሞያዊ ስልጠና ደቂኣንስትዮ ሞያዊ ዓቕመን ኣበሪኸን ነብሰን ዝኽእላሉ ባይታ ንምፍጣር ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ምክትታል ፕሮጀክትታት ናይ’ቲ ጨንፈር መንእሰይ ዳኒኤል ኣብርሃ ብወገኑ፡ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ መነባብሮ መንእሰያት እወታዊ ለውጢ ዘምጽኡ ስልጠናታት ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ከምዝውድብ ብምሕባር፡ ንሰልጠንቲ መበገሲ ዝኸውን 20 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ከምዝተዋህበን ገሊጹ።

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ዝተኸፍተ ናይ ስልጠና መደብ መርኣያ ናይቲ ብኹልንትናኡ ብቑዕ መንእሰይ ንምህናጽ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ዝገለጻ ሰልጠንቲ፡ ብዝቐሰማኦ ሞያ ኣበርቲዐን ክሰርሓን ነብሰን ንምምዕባል ክጽዕራን ምዃነን ኣረጋጊጸን።

Categories