ብምኽንያት ዳግመ-ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ – ኣስመራ፡ ብቕድሚ ትማሊ 18 ሓምለ ኣብ ሆቴል ኣስመራፓላስ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ እንግዶት፡ ሚኒስተራት ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ምስ’ዘን ናይ ፈለማ በረራ ናብ ኣስመራ ዘካየዳ ነፈርቲ ዝመጹ ኣውፈርትን ሰብ-ዋኒንን፡ ስነ-ጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም ነይሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዳግም ተጀሚሩ ዘሎ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ህዝብታት ክልተአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምምሕዝነትን መድረኽ ንምስግጋር ከም ድንድል ዘገልግል ምዃኑ ብምሕባር፡ ዮሃናኡ ገሊጹ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኑ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክንሰጋገር ንዝጸዓሩ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምምስጋን፡ “ዝሓለፈ፡ ዓቢ ትምህርቲ ስለዘቕሰመና፡ ንዓለም ኣብነት ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትናን ክንከውን ምእንቲ፡ ሓያልን ዓቢን ስራሕ ይጽበየና ኣሎ” ኢሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንዝገበረሎም ምዉቕን ምዕሩግን ኣቀባብላ ድማ ሞጒሱ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ድማ፡ 104 ነፈርቲ ዝውንን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንኣስመራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ 114 ዓለምለኸ መዓልቦታት ንምርኻባ ተዳልዩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እዚ ዕድል’ዚ ኪኖ ረብሓታት ንግድን ቱሪዝምን ዝኸይድ ረዚን ትርጒም ዘለዎ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ስነጥበባውያን ብወገኖም፡ በበቲ ዝነጥፍሉ ሞያ – ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዝለዓለ መድረኽ ንምድያብ ከምዝጽዕሩ ገሊጾም።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ያታ ናይ ኢትዮጵያን፡ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ናይ ኤርትራን ብዘቕረባኦ፡ ንኣገዳስነት ሰላምን ምሕዝነትን ዘንጸባርቕ ጣዕመዜማታት ማዕሪጉ ነይሩ።

Categories