ኣባል ፖሊስ ኤርትራ፡ ገዲም ተጋዳላይ ሜጀር ወልደገብርኤል በርሀ (ወለገ)፡ ትማሊ 18 ሓምለ ኣብ መበል 59 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ሜጀር ወልደገብርኤል፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ማእከላይ ሕክምናን ሓለዋ ሰውራን፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብብቕዓትን ተወፋይነትን ዘገልገለ ሓርበኛ’ዩ።

ስዉእ ወልደገብርኤል፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 6 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ሓሙስ 19 ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ፖሊስ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ሜጀር ወልደገብርኤል በርሀ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን ፈተውቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories