“ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ሓምለ ኣብ ከተማ ጊሰን ዝተኻየደ መበል 22 ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ጀርመን፡ ብውዕውዕ መንፈስ ተዛዚሙ።

እቲ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታት ዘሳተፈ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ሃዋህው ትስፉው መድረኽ ሰላም ብምክያዱ፡ ፍሉይ መቐረትን ስምዒትን ከምዝነበሮ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ፈስቲቫል፡ ንእዋናዊ ጉዳያት ዘብርህ ሰሚናር ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ሰሜን-ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ቃል ኤምባሲ ብፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ኣቶ ዮውሃንስ ወልዱ፡ መልእኽቲ ሃገራዊ ሽማግለ ጀርመን ብኣቦ-መንበር’ቲ ውዳበ ዶክተር ተስፋይ ዓብለሎም፡ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ብኣቶ ካሕሳይ ተወልደ ቀሪቡ።

ብዝተፈላለዩ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት፡ ስፖርታዊ ውድድራት፡ ቊሸት ቈልዑን ስእላዊ ምርኢትን ማዕሪጉ ኣብ ዝቐነየ ዓመታዊ ሃገራዊ ምትእኽኻብ፡ ብርክት ዝበሉ መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታትን ማሕበራትን ተሳቲፎም።

Categories