ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ካብ ዝተሳተፉ 14 ሽሕን 362 ተማሃሮ፡ እቶም 43.3 ሚእታዊ ሓሊፎም።

ተፈተንቲ፡ እቶም 2009 – ማለት 14 ሚእታዊት ናይ ዲግሪ፣ 1985 – ማለት 13.8 ሚእታዊት ዲፕሎማ፣ 2259 – ማለት 15 ሚእታዊት ድማ ብደረጃ ሰርቲ-ፊኬት ዘምህሮም ነጥቢ ረኺቦም።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ካብ ዝተሳተፋ ደቂኣንስትዮ፡ እተን 42.8 ሚእታዊት ከምዝሓለፋ፡ ካብ ማእከል መርመራን ምዘናን ኮሚሽን ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሎሚ ዓመት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ፡ ካብ ኣስታት 100 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ ተማሃሮ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ከምዝተኸታተሉ ይፍለጥ።

Categories