ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብመሰረት ዘውጸኣኦ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ – ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ-ኣበባን ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ረቡዕ 18 ሓምለ ዳግም ጀሚሩ።

ኣብ’ዚ ናይ ትማሊ ፈላሚ በረራ፡ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ተበጊሰን ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ናይ ርብዒ ሰዓት ፍልልይ ኣስመራ ምስ ዝኣተዋ ‘ቦዪንግ 787’ን ‘ቦዪንግ 737’ን ዝዓይነተን ነፈርቲ ንዝመጹ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሴ ብርሃነን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቦም ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ-ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር ፕሮፌሰር ኣፈወርቂ ካሱ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም፡ ኣውፈርትን ሰብ-ዋኒንን፡ ስነ-ጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም 465 ሰባት፡ ምስ’ዘን ፋልማይ በረራ ዘካየዳ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተዉሉ፡ ብህዝቢ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፍቕሮም ክገላለጹ ብምርኣየይ ዓቢ ሓጎስን ሓበንን ይስምዓኒ” ዝበለ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብዝነበረ ኩነታት ክልቲኡ ህዝብታት ተጐዲኡ’ኳ እንተኾነ፡ ዓቢ ትምህርቲ ዝተቐስመሉ ብምዃኑ ግዳ፡ ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን ምዕራፍ ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ድማ፡ ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ – ካብን ናብን ኣዲስ-ኣበባን ኣስመራን፡ ኣብ ምምዕባል ጽላታት ንግድን ቱሪዝምን ዝህልዎ ተራ ብቐሊል ከምዘይጥመት ብምሕባር፡ ኣገዳስነቱ ተራእዩ – ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ባጽዕን ዓሰብን በረራ ንምጅማር ውጥን ከምዘሎ ኣሚቱ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ “ኣብ መንጎአን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናይ መጓዓዝያ፡ ንግድን ቴለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ኪጅመር” ዝብል ዝርከቦ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘጠቓለለ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ምኽታመን ይዝከር።

በዚ መሰረት ኣገልግሎት ቴለኮሚኒኬሽን ኣብቲ ዕለት’ቲ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ድማ ትማሊ – ብወግዒ ምጅማሩ፡ ንቕጽበታዊ ትግባረ ናይቲ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ’ ዘርኢ እዩ።

Categories