ኣብ ሳዋ ዝተኻየደ ሻሙናይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ፡ ብ15 ሓምለ ብውዕዉዕ መንፈስ ተዛዚሙ።

ኣብ’ቲ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ፈስቲቫል፡ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ዝመጹ መንእሰያት ዘቕረብዎ መሳጢ ያታዊ ትልሂታት፡ ስነጥበባዊ መሰናድኦታት፡ ኣደናቒ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ካልኦትን ክቐርቡ ከለዉ ጸብለልታ ዘርኣዩ ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ዞባታትን ተሸሊሞም።

ናይ ክብሪ ዕዱም ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ እቲ ፈስቲቫል “መንእሰይ ጸዓት ዘላቒ ምዕባለ” ንዝብል ቴማኡ ብግቡእ ዝገለጸ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ኣቲናዮ ዘለና ዘተስፉ መድረኽ ሰላም ንዘሰክመና ሓላፍነት ብግቡእ ንምትግባር፡ መንእሰያት ተራኦም ክጻወቱ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ኣቦ-መንበር ኣዋሃሃዲ ኮሚቴ ሻሙናይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰይ ሮቤል ከበደ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ፈስቲቫል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ከምኡ’ውን ካብ ሃገራት ወጻኢ ዝመጹ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያት፡ ኣብ ሓደ ቅርዓት ብምእካብ ተመኩሮታቶም ዝለዋወጥሉን ምትእስሳሮም ዘሐይልሉን ባይታ ዘጣጥሕ ምንባሩ ገሊጹ።

ሃገራውን ሕብረተ-ሰባውን ክብርታትና ብግቡእ ክንጸባረቑን ክውረሱን ዘኽኣለን ዝተበገሰሉ ዕላማ ዝወቕዕን ዓቢ ሃገራዊ ንግደት ምንባሩ እውን ሓቢሩ።

Categories