ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብመሰረት ዘውጸኣኦ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ-ኣበባን ኣገልግሎታ፡ ሎሚ ረቡዕ 18 ሓምለ ዳግም ክትጅምር’ያ።

ምስ’ዛ ሎሚ ረፋድ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ኣስመራ እትኣቱ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ-ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣውፈርትን ሰብ ዋኒንን፡ ስነጥበባውያንን ጋዜጠኛታትን፡ ከምኡ’ውን ውልቀ-ሰባት ክመጹ እዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ8ን 9ን ሓምለ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ – ዝተበጽሐ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’፡ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘጠቓለለ እዩ።

ሳልሳይ ዓንዲ ናይ’ቲ ኣዋጅ፡ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ መጓዓዝያ፡ ንግድን ቴለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ኪጅመር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ድማ ክሕደስ” ይብል።

በዚ መሰረት ድማ፡ ኣገልግሎት ቴለኮሚኒኬሽን ንእለት ክጅመር እንከሎ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣየር ሎሚ ብወግዒ ክጅመር’ዩ።

ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስኣበባ፡ ብ16 ሓምለ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ዳግም ተኸፊቱ እዩ።

እዚ ምዕባለታት’ዚ፡ ‘ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን’ በብመድረኹ ክትግበር ከምእተጀመረ ዘረድእ እዩ።

Categories