ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ14 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ድሕሪቀትሪ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሰንዩ፡ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝኣተወሉ ህዝቢን ምምሕዳርን ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ፡ ምዕሩግ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃዋሳ ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት፡ ብስም ህዝቢ ክልል ሶማል ስሉም ገመል ከም ገጸ-በረከት ተበርኪትሉ።

ኣብ ሰዓታት ምሸት ንኽብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ጉጅለ ልኡኽን፡ ኣብ ሃይለ ሪዞርት ኣብ ዝተገብረ ብባህላዊ ጸወታታት ብሄር ብሄረ-ሰብ ክልል ደቡብ ዝተሰነየ ናይ ድራር እንግዶት፡ ህዝቢ ከም መርኣያ ሓጐሱ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ጉጅለን ዝተፈላለየ ህያባት ኣበርኪቱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ኣዲስ-ኣበባን ሃዋሳን ድማ ብፍላይ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝገበሮ ምዑርግ ኣቀባብላ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ኣብ መንጎና ዝነበረ መንደቕ ብድልድል ሰላምን ምሕዝነትን ምትክኡ ንኽልቲኤን ሃገራትን ዞባናን ዓቢ ኣብነትን ረብሓን እዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ ስለ’ቲ ድሙቕ ኣቀባብላ ምስጋናኡ ድሕሪ ምቕራብ፡ “ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጠር ሓድሽ ዝምድና የለን። ብደም፡ ባህልን ታሪኽን ዝተሃንጸ እዩ” ድሕሪ ምባል፡ በዚ ኹሉ መዳያት ንምሕያሉ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ድማ፡ ኲኖ ክልቲኤን ሃገራት ንዞባና ብእወታ ከምዝጸልዎ፡ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራን፡ ንጽባሒቱ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ካብ ከተማ ሃዋሳ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተመልሰ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ተሰንዩ፡ ካብ’ታ ከተማ ኣብ ክሊ ኣስታት 25 ኪሎ-ሜተር ንዝሰላሰል ዘሎ ህንጸት ኣባይትን ካልእ ትሕተ-ቅርጽን ተዓዚቡ።

Categories