ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ 16 ሓምለ ቀትሪ ኣስመራ ተመሊሱ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ድማ፡ ሚኒስተራት ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ምስ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝርከብዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ምድንፋዕ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ሰላምን ምሕያል ኩሉንትናዊ ክልተኣዊ ዝምድናን ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዶም።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ክሊ 25 ኪሎ ሜተር ዝሰላሰል ዘሎ ህንጸት ኣባይትን ካልእ ትሕተቅርጽን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ኣዋሳ ተገይሩ ዘሎ ወፍሪን ገስጋሱን ተዓዚቡ።

ብምምሕዳርን ነበርትን ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ፡ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘበስር ፍሉይ መደብ እውን ተሳቲፉን መደረ ኣስሚዑን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐዳም 14 ሓምለ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ፎዝያ ሃሽም፡ ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊሽ ተኽለሚካኤል፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኣቶ ተስፋስላሰ ብርሃነ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ካልኦትን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

Categories