ኣብ 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ዝቐርብ ዘሎ ያታዊ ትልሂታት፡ ፍሉይ ተምሳጥ ከምዝፈጠረሎም ተሳተፍቲ ገሊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ፈስቲቫል ብዙሕ ረብሓታት ዝርከቦ መድረኽ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብዙሓት መንእሰያት ብልዑል ወኒ ንያታዊ ትልሂታቶም ከንጸባርቕዎን ከማዕብልዎን ምርኣይ፡ ሓለፋ ዘለዎ ትርኢት ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ኣብሪሆም።

“ኣብ ኩለን ብሄራትና ዘሎ ያታዊ ትልሂታት፡ ማዕረ ክንድ’ዚ ሓይሊ ህርመት፡ ስጥመትን ውህደትን ዘለዎ ኣይመስለናን’ዩ ነይሩ” ብምባል ድማ፡ ፈስቲቫላት ብሓፈሻ፡ ፈስቲቫል መንእሰያት ድማ ብፍላይ ሃብታም ባህልና ኣብ ምዕቃብን ምውርራስን ዘለዎ ተራ ልዑል ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ፈስቲቫላት ዝውድብሉ ምኽንያት፡ ኣብ ሃገራውን ሕብረተ-ሰባውን ክብርታቶም ዘለዎም ተገዳስነትን ልዑል ፍቕርን ዝገልጽ ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ኣብ’ዚ መጺኦም ብኣካል ምስታፎም ልዑል ሓጎስ ከምዝፈጠረሎም ገሊጾም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ፈስቲቫልን ትሕዝቶኡን ዘለዎ ኣገዳስነት ዕዙዝ ስለዝኾነ፡ እዚ ኣብ ኣወዳድባኦም ቀጻሊ ገስጋስ ዘርኢ ዘሎ ትሕዝቶታትን መልእኽትታቱን ብዝሓየለ ክቕጽል ተላብዮም።

ብ13 ሓምለ ዝተኸፍተን ካብ ውሽጢ ሃገርን ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢን ዝመጽኡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ዜጋታት ዝሳተፍዎ ዘለዉን 8ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ያታዊ ትልሂታት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ስእላዊ ምርኢት፡ መደባት ምውርራስ ተመኲሮ፡ ውድድራት መደረን ሓፈሻዊ ፍልጠትን ከምኡ’ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣዘናጋዕትን መሃርትን መደባት ኣካቲቱ ክሳብ 15 ሓምለ ክካየድ’ዩ።

Categories