ፕረዚደንት ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመ፡ ንኽብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለን፡ ትማሊ 14 ሓምለ ኣብ ሃገራዊ ቤተ-መንግስቲ ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።

ኣብ’ቲ እንግዶት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዕድመ ዝተገብረሎም ስነጥበበኛታትን ካልኦትን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ ሓጺር ቃል፡ ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንዝተገብረሉ ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን፡ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ልብታቶም ስምዒት ከምዝገለጹ፡ በዚ ድማ ዳግማይ ታሪኽ ይስራሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ “ድሕሪ ደጊም ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት’ዮም ዝብል፡ ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ” ክብል ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኽብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብስም ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያን ዝተፈላለየ ህያባት ክብርከት እንከሎ፡ ብፍሉይ ድማ ክልል ኦሮምያ ስሉም ፈረስ ከም ገጸ-በረኸት ኣበርኪቱ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ጉጅለን፡ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃዋሳ ዑደት ኣካዪዱ።

Categories