ብምኽንያት ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ – ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ሓውሲ-ከተማታትን ኤርትራ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ወሲዶምዎ ንዘለው ተበግሶ ዝድግፍ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻዪዱ።

እቲ ብ8 ሓምለ ካብ ንግሆ ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዝቐጸለ ናይ ደገፍ ሰልፍታት፡ ኣብ ዞባ ደቡብ – ኣብ መንደፈራ፡ ሰንዓፈ፡ ዓዲ-ቐይሕ፡ ጸሮናን ዓዲ-ዃላን፣ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ኣብ ባረንቱ፡ ሻምብቆ፡ ሽላሎ፡ ኦምሓጀርን ተሰነይን፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ኣብ ከረን፡ ሓጋዝ፡ ዒላ-በርዕድን ዓዲተከለዛንን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባጽዕን ባዳን፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ኣብ ከተማ ዓሰብ’ዩ ተኻዪዱ።

ሰልፈኛታት፡ ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ስእልታት ዘለዎ ማልያታትን ፖስተራትን ብምድላውን ድሙቕ ህዝባዊ ጓይላታት ብምትካልን፡ ንጽንዓትን ናይ ሰላም ባህግን ክልቲኡ ህዝቢታት ዝገልጽ ጭርሖታት ከምዘቃልሑ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም።

ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ሳዕቤናትን በሰላታትን ኲናት ኣጸቢቑ ዝርዳእን ንስለ ሰላም ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ብምዃኑ፡ ንሰላም ልዕሊ ዝኾነ ክልእ ከምዝብህጋ ኣገንዚቦም። ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም።

Categories