ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ንዝነበረ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝግምግም ርክብ፡ ብ5 ሓምለ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ትምህርትን ኣባላት ምምሕዳርን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ውጽኢት ተመሃሮ በብደረጃኡ፡ ዝነበረ ብልጫታትን ድኻማትን፡ ንጥፈታት ባህሊ፡ ስፖርትን ጥዕናን፡ ኣጠቓቕማ ቤትንባብን ቴክኖሎጂ ሓበሬታን፡ ከምኡ’ውን ገስጋስ ትምህርቲ ንዓበይትን ምሸታዊ ትምህርትን ዝምልከት ጸብጻባት ቀሪቡን ምይይጥ ተኻዪዱሉን።

ብመሰረት’ቲ ጸብጻባት፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምርቲ ብድምር ኣኣስታት 22 ሽሕ ተመሃሮ ክምዝገቡ እንከለዉ፡ 8.7 ሚእታዊት ካብኦም ከምዘቋረጹ፡ ካብቶም ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ድማ ድማ 80 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣብ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ 9 ነቚጣታት ከምእተኻየደ፡ 250 ተሳተፍቲ ድማ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ግቡእ ትምህርተን ከምእተኸታተላን ተሳታፍነተን ዝነኣድ ምንባሩን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories