ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብጆግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ዝተጠምሩ፡ መሰረታዊ ሓባራዊ ረብሓታት ዘለዎም ህዝብታት ከምዝኾኑ ብምግንዛብ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዝነበሮም ዕድላት ከምዝተነፍጎም ብምዝካር፡

ነዚ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉሉን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣሉታዊ ስንብራት ዝገደፈን ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ከምዘለዉ መሰረት ብምግባር

መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን፡ ኣብዚ ዝስዕብ፡ ሃንቀውታን ድልየታትን ህዝብታቶም ዝገልጽ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ

1. ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ኩነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ። ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ተራሕዩ ኣሎ።

2. ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጒምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባር ክሰርሑ እዮም።

3. ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ መጓዓዝያን ንግድን ተለኮሚኒኬሽንን ርክብ እንደገና ክጅምር፡ ዲፕሎማስያዊ ህላወን ንጥፈታትን ክሕደስ እዩ።

4. ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪትግበር እዩ።

5. ክልቲአን ሃገራት ዞባዊ ሰላምን ልምዓትን ምትሕብባርን ንምውሓስ ብሓባር ክሰርሓ እየን።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ንኹሎም ኣዕሩኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ንኹሎም ደለይቲ ሰላም ምስጋናኦም እናኣቕረቡ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ህሞት ምሕዝነቶምን ደገፎምን ከሐይሉ ይጽውዑ።

ኣስመራ 09 ሓምለ 2018

ኣብ ክንዲ ሃገረ ኤርትራ

ኣብ ክንዲ ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣቢይ ኣሕመድ

Categories