ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝርከብ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ቅርሲታት ብምልላይ፡ ንምጒልሑን ንበጻሕቲ ምቹእ ንምግባሩን ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሳልም ዓሊ፡ ዞባ ዓንሰባ – ካብ ብርቂ ታሪኻዊ ህንጻታት ከተማ ከረን ጀሚርካ፡ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ዘለዎም ገዳማት፡ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተዛዘመሉ ጥንቁላሓስ፡ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ድፋዓት፡ ጥንታዊ በዓትታትን ኣብ ኣኻውሕ ዝተወቕረ ጽሑፋትን ኣሳእልን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓያሎ መስሕብ በጻሕቲ ቅርስታት ከምዝውንን ብምጥቃስ፡ ንምጽንዑን ንም’ፍላጡን ብዝግባእ ምስ ዝስራሕ፡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝም ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ ገሊጹ።

ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዎን ኣብ ከርሱ ሓያሎ ቅርስታት ሓቚፉ ዝርከብን ገዳማት፡ ሓደ ካብ’ቲ ብሰሓብነቱ ዝልለን ዓመታዊ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ዝበጽሕዎን ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ሳልም፡ ብመጓዓዝያን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንበጻሕቲ ምቹእ ንምግባሩ ክስራሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories