ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ብ8 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣስመራ ኣትዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮሙሉ።

ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ፡ ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን መራሕቲ መንግስታትን ዝካየድ ዘሎ ናይ ፈለማ ርክብ ኮይኑ፡ ሓድሽ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ምዕራፍ ዘበስር ፍሉይን ታሪኻውን ፍጻመ ብምዃኑ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጐደናታት ብምውጻእ፡ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዝድግፍ ጭርሖታት እናቃልሐ፡ ውዕውዕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ገይሩሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሙፍሪሓት ካምል፡ ኣፈኛ ቤት-ምኽሪ ፈደረሽን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ፕረዚደንት ክልል ዓፈር ሓጅ ስዩም ኣወልን ካልኦትን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሮም መጺኦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብ5 ሰነ 2018 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ታሕሳስ 2000 ዝኸተማሉ ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትግበር ድሕሪ ምውሳኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንህልው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ንምፍላጥን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ንምንዳፍን፡ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ምግላጹ ይዝከር።

በዚ መሰረት ድማ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገርብኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሰደዶ መልእኽቲ ሒዙ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ። ብህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ምውቕ ኣቀባብላ ከምእተገብረሉን፡ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሒዙ ከምእተመልሰን ድማ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ናብ ሃገሩ ተፋንዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ድማ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቦም፡ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰነየ ወግዓዊ ምፍናው ገይሮምሉ።

Categories