ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ዝርከብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ መበል 11 ስነ-ስርዓት፡ 10 ብማስተርስ፡ 189 ብቀዳማይ ዲግሪ፡ 194 ድማ ብዲፕሎማ ብጠቕላላ 393 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣቐዲሞም ብሞያኦም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ምሩቓት ናይ’ቲ ኮሌጅ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዝተመርኰሰ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ናይ ምረቓን ድሕረ-ምረቓን ፕሮጀክትታት ናይ ሎሚ ዓመት ምሩቓት፡ ሓያል ተበላሓትነት ዝሓተተን ኣብ መጻኢ ንዝከታተልዎ ዓውዲ ዘነጸረን ምዃኑ ብግብሪ ከምእተመስከረ ኣረዲኡ። “ብዘሎ እወታዊ ሃዋህው ተሓጊዝኩም፡ ህዝብን መንግስትን ዘሰከምኹም ሓላፍነት፡ ብልዑል ፍናን፡ ወኒን ጽፈትን ከም እተተግብሩ ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና” ክብል ድማ ኣገንዚቡዎም።

ዲን ናይ’ቲ ኮለጅ ኣቶ ሰመረ ኣምለሶም ብወገኑ፡ ሎሚ ዓመት፡ ሕርሻዊ ቊጠባ፡ ሕርሻዊ ምህንድስና፡ ምክልኻል ብቚሊ፡ ሕክምና እንስሳ፡ ስነ-ፍልጠት እንስሳ፡ ስነ-ብቚሊ፡ ሃብቲ መሬትን ኣከባብን ከምኡ’ውን ስነኣሕምልቲ፡ ፍረታት፡ ቀመማትን ዕንባባታትን ዘጠቓልል 6 ናይ ዲፕሎማ፡ 8 ናይ ዲግሪ፡ 4 ድማ ናይ ማስትሬት ዲግሪ ፕሮግራማት ከምእተዋህበ ሓቢሩ።

“ኣብ ቊጽሪ መማህራን ደቂ ሃገር ዓቢ ዝላ ተራእዩ ኣሎ” ዝበለ ኣቶ ሰመረ፡ ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ መማህራን 70 ሚእታዊት ከምዝሽፍኑ ብምሕባር፡ ቊጽሮም ንምስሳንን ዓቕሚታቶም ክብ ንምባልን፡ ዕዮ ገዛ ናይ’ቲ ኮሌጅን ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲን ምርምርን ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ሓዊስካ፡ ኣብ 11 ናይ መመረቕታ ስነ-ስርዓታት፡ ብድምር 4249 ተመሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ። 51 ሚእታዊት ካብዚኣቶም ድማ ደቂኣንስትዮ እየን።

Categories