ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምቊጽጻር ብዝትግበር ዘሎ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆን ተሰነይን ውጽኢታዊ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ዝተወጠነ መደባት ንምዕዋት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ተቐማጦ ምምሕዳር ከባቢ ደምበ-ኣስመራ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ድማ ነበርቲ ምምሕዳር ሕለትሲዲ፡ ውሽጣዊ ሕጊታት ብምጽዳቕ ይነጥፉ ከምዘለዉ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

ንሳቶም፡ ንዝተሳለጠ ስራሕ ንምግምጋም በብወገኖም ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባታት፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ከባብያዊ ጥዕና ኣቶ ዓብዱ ያቆብ፡ ህዝቢ ብሰብ ሞያ ጥዕና ንዝተዋሃቦ ምኽሪ ብግቡእ ብምትግባሩ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣዝዩ ከምዝነከየ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራትን ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ተስፋዝጊ ዑቕባዝግን ብወገኖም፡ ምምሕዳራቶም ኣብ ምውህሃድ ናይ’ቲ ዝዕመም መደባት ብዝለዓለ ከምዝነጥፉ ብምርግጋጽ፡ ብነበርቲ ደምበ-ኣስመራን ሕለትሲዲን ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ብኻልኦት ከባቢታት ክሰዓብ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ጨንፈር ከባብያዊ ጥዕና ዶክተር ዘሙይ ኣለሙ ድማ፡ ጉድለት ጽሬት ዝጠንቆም ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምቊጽጻር ዝካየድ ዘሎ ንኮም ማእከል ዝገበረ ስርሓት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘተባብዕ ምዕባለ የመዝግብ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ብዝለዓለ ውህደት ክድፋኣሉ ተላብዩ።

Categories