ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ፍርያት ማንጉስ ክብ ንምባል ኣብ ሓረስቶት ዝተኻየደ ጐስጓሳት ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ክኢላ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ከሰተ ጐይትኦም ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ዞባ ዝርከብ 652 ሄክታር ጀራዲን፡ እቲ ዝዓበየ ክፋሉ ብኣግራብ ማንጉስ ዝተሸፈነን ካብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ክሳብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ከምዝዝርጋሕን ዝጠቐሰ ኣቶ ከሰተ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣፍልጦ ሓረስቶት ንምዕባይ ዝተዋህበ ኣስተምህሮታት፡ ናይ ሎሚ ዓመት ምህርቲ ምስ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ13 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ገሊጹ።

ኣግራብ ማንጉስ፡ ክንዮ’ቲ ዝህቦ ምህርትን ቊጠባዊ ረብሓን፡ ኣብ ምክልኻል ፍግረመሬትን ግርማ ከባብን እውን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ዝሓበረ ኣቶ ከሰተ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት፡ ሓረስቶት ኣብ ምትካሉ ግቡእ ርሕቀት ክሕልዉ፡ ከምኡ’ውን ትሕተባይታዊ ማይ ዘሀብትም ንጥፈታት ከሰላስሉ ተላብዩ።

Categories