ብምትሕብባር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራን ኩባንያ ቶታል ኤርትራን፡ ኣብ መስመር ኣስመራ – ባጽዕ፡ ንተራኣይነት ተሽከርከርቲ ዝሕግዝ መረጼናት ኣብ ቀንዲ ኩርባታት ተተኺሉ።

ብ3 ሓምለ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ኣብ ዝተገብረ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ኮሎኔል መሓሪ ጸጋይ ኣብ ዘሰመዖ ቃል፡ ምርግጋጽ ድሕነት ተጠቀምቲ ጽርግያ፡ ውሁድ ጻዕሪ ዝሓትት ዕማም ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኩባንያ ቶታል ኣብ ድሕነትን ካልእ ንኮምን ኣከባብን ዘገድስ ስርሓትን ንዘርእዮ ዘሎ ተገዳስነት መጒሱ።

ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ቶታል ኣብ ኤርትራ ሚስተር ኣጄ ካኲ ብወገኑ፡ ኩባንያኦም ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ንግዳዊ ንጥፈታቱ፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክን ኣከባብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽላታት ጥዕና፡ ትምህርቲን ውሕስነት ጸዓትን ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋጽ ቀጻልነት ዘለዎ ፕሮጀክትታት ብምስራዕ ከምዝነጥፍ ጠቒሱ፡ እዚ ምስ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ተወሃሂዱ ዘሰላሰሎ ፕሮጀክት ድማ ኣካል ናቱ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ድሕነት ትራፊክ ጽርግያ ኤርትራ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ብግደኡ፡ እቲ ተተኺሉ ዘሎ 51 መረጼናት፡ ሓደጋታት ኣብ ምንካይን ድሕነት ተጠቀምቲ ጽርግያ ኣብ ምውሓስን ሓጋዚ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ኩባንያ ቶታል ኤርትራ ኣካያዲት ስራሕ ክፍሊ ድሕነትን ፕሮጀክትታት ዘላቒ ምዕባለን ወይዘሮ ለተብርሃን ግደ፡ እቲ ተተኺሉ ዘሎ መረጼናት፡ ንተራኣይነት ተሽከርከርቲ ኣብ ኣሸገርቲ ኩርባታት ብምሕጋዝ፡ ቅድመ-ጥንቃቐ ንምግባር ዘለዎ ተራ ርዱእ ስለዝኾነ፡ ብመጽናዕቲ ከምእተተኽለ ገሊጻ።

እቲ መረጼናት ኣብ ምንቅስቓሳቶም ሓጋዚ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ዝሓበሩ መራሕቲ ተሽከርከርቲ፡ ካብ’ቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ብቬትሮ ዝተሰርሐ መረጼናት ብልጫ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንቐጻልነት ኣገልግሎቱ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ምዕቃቡ ግቡእ ተርኦም ክጻወቱ ተማሕጺኖም።

እዚ ኣብ መስመር ኣስመራ – ባጽዕ ተተኺሉ ዘሎ ንተራኣይነት ተሽከርከርቲ ዝሕግዝ መረጼናት፡ ኣድማዕነቱ ተራእዩ ኣብ ካልእ ቀንዲ መስመራት ንምትግባሩ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Categories