ኮሌጃት ምህንድስና፡ ስነ-ፍልጠትን ትምህርትን ዘጠቓልል ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ትማሊ 7 ሓምለ ንመበል 11 ግዜኡ ኣብ ዘካየዶ ስነስርዓት፡ 1313 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

ብ45 ዓውድታት ዝወድኡ ተመረቕቲ፡ 32 ብማስተርስ፡ 678 ብዲግሪ፡ 603 ድማ ብዲፕሎማ እዮም ተመሪቖም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ዕለተመመረቕታ ካብ መኣዲ ፍልጠት ናብ መኣዲ ልምዓት ዝጽንብር ኣጋጣሚ ከምዝኾነ፡ እዚ ግን መሳልል ጉዕዞ ፍልጠት ኣኽቲሙ ማለት ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ስራሕ ዝተሰነየ ዝዓመቘን ዝሰፍሐን ፍልጠት ንምብርባር ትኲራት ዝኾኑሉ መድረኽ ኣብ ቅድሚት ከምዘሎ ክግንዘቡ ከምዝግባእ ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ተጠቃምነት ዕድላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዝሰፍሐ ክፋል ሕብረተሰብና ንምርግጋጽ፡ ቊጽሪ ትካላት ላዕለዋይ ትምህርቲ ካብ ሓደ ናብ 8 ከምዘዕበዮ ዝሓበረ ሚኒስተር ሰመረ፡ ብኡ መንጽር – ብዝሒ ተረባሕቲ ናይ’ዚ ዕድላት ብተዓጻጻፊ ከምዝዓበየ፡ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባትና ዝጠልቦ ብዝሕን ዓይነትን ሞያውያን ንምምላእ ድማ ኣብ ዘተኣማምን መድረኽ ተበጺሑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ምክትል ፕረዚደንት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ፕሮፌሰር መድሃኔ ገብረሂወት ብወገኑ፡ ኤርትራ ራእይ ብዕዮ ከምዝሰምር ብምእማን፡ ቀንዲ ማሕንቖታት ምዕባለ ዝዀኑ መሃይምነት፡ ድኽነትን ሕማማትን እናኣጥፍአት ናብ ርህው መዋእል ትግስግስ ከምዘላ ብምጥቃስ፡ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ዝምስገን ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ 2004 ኣገልግሎት ዝጀመረ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ፡ ካብ 2008 ክሳብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ 131 ብማስተርስ፡ 5565 ብቀዳማይ ዲግሪ፡ 9093 ብዲፕሎማ፡ 78 ድማ ብሰርቲፊኬት፡ ብጠቕላላ 14 ሽሕን 884 ተመሃሮ ኣመሪቑ ኣሎ።

Categories