ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኩሉ-መዳያዊ ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ ንምሕያል ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ዝተዓሙ ንጥፈታት ንምግምጋምን ሓደስቲ ሓሳባት ንምፍልፋልን ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ ወዲቡ።

ኣብ’ዚ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ዝተረኽባሉ ብ2ን 3ን ሓምለ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፡ ፕረዚደንት ማሕበር ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ካብ ዝተተለመ ክንደይ ከምእተዓመ – ምስናይ ብልጫታቱን ሕጽረታቱን ብምግምጋም፡ ንዝያዳ ኣድማዒ ዕማም ንምብጋስን ተመኲሮ ንምልውዋጥን ዝተወደበ ምዃኑ ሓቢራ።

ኣብ’ቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዓውደዘተ፡ “ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ ብመንጽር ጾታዊ ምዕሩይነት” ዝብል መጽናዕታዊ ወረቐት ብፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ “ተራ ምውህሃድ ኣብ ምሕያል ደቂ-ኣንስትዮ” ዝብል ድማ ብመምህር ክፍላይ ዓንደሚካኤል ቀሪቦም።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ክሊ’ቲ ቴማን ዕላማን፡ ሞያዊ ኣስተምህሮታት እውን ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ዓቕሚታት ደቂኣንስትዮ ንምሕያል ኣብ ዝሕግዙ መዳያት ዘተ ተኻዪዱን ሓጋዚ ሓሳባት ቀሪቡን።

Categories