ብቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ1ን 2ን ሓምለ ኣብ ንዋክሾት – ርእሰ ከተማ ማውሪታንያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 31 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሳቲፉ።

ኣብ’ዚ “ምዕዋት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና፡ ንዘላቒ ምስግጋር ኣፍሪቃ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብኣቦ-መንበርነት ፕረዚደንት ርዋንዳን እዋናዊ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ፖል ካጋመ ዝተመርሐ ጉባኤ፡ ንቚጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረመሰ ብልሽውና ንምጥፋእ፡ ብደረጃ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን ኣፍሪቃን ሕጋውን ትካላውን ዓቕሚ ንምሕያል ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ተነጺሮም።

ጉባኤ ብተወሳኺ፡ ገስጋስ ተሃድሶ ናይ’ቲ ሕብረት ገምጊሙን፡ ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍን ኩነታት ሰላምን ጸጥታን ኣፍሪቃ ንምምሕያሽን ዝሕግዙ ውሳነታት ኣሕሊፉን። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣባላት ኣርብዕተ ኣካላት ሕብረት ኣፍሪቃ ሓርዩን ናይ 2019 ባጀት ኣጽዲቑን።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ግጭት ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ንምፍትሑ፡ ብክልቲአን ሃገራት ንዝተወስደ ስጉምትታት ድማ ሞጒሱ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሓደ ካብ ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ክነሱ፡ ንዝሓለፈ 16 ዓመታት ግቡእ ሓላፍነቱ ብዘይምትግባሩ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኤርትራ ንኣባልነት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረበቶ ሕቶ፡ ኣጽዲቑን ደገፉ ገሊጹን።

ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ነቲ ጉባኤ ንምድላው ካብ 25 ክሳብ 27 ሰነ ብደረጃ ቀወምቲ ወከልቲ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሰነ ድማ ብደረጃ ሚኒስተራት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ብምስታፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ንመርገጺን ኣረኣእያን ኤርትራ ዝገልጽ መደረታት ኣስሚዑ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ጉባኤ፡ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ርክባት ዘተኰረ ዘተ ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣካዪዱን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ተመያዪጡን።

Categories