ክኢላዊ ዓቕሚ ብሓፈሻ፡ ጸጋታት ባሕርና ብዝግባእ ንምምዝማዝ ዘድሊ ዓቕሚ ንምምዕባል ድማ ብፍላይ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ንምዕዋት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ብትምህርቶምን ተመኲሮኦምን ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ፡ ጻውዒት ቀሪቡ።

ዲን ኮሌጅ ስነ-ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ባሕሪ ዶክተር ዘከርያ ዓብደልከሪም፡ ልምዓታዊ መደባትን ገስጋሱን ንምዕዛብ ዑደት ምስ ዝገበሩ ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኤርትራውያን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንዘላቕነት ገስጋስ ምዕባለ ሃገር፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ብመንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ዜጋታት በብሞያኦምን ዓቕሞምን – ፍልጠቶምን ጸዓቶምን ኣብ ዓወት ሃገራዊ መደባት ከፍስሱ እዋኑ ዝሓቶ ጉዳይ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ዶክተር ዘከርያ ኣስዒቡ፡ በብከባቢኡ ተደኲነን ዘለዋ ኮሌጃትን ኣብያተትምህርቲ ስነ-ኪነትን ኣብ ምምዕባል ክኢላውን ሞያውን ዓቕሚ መንእሰይ ብቐሊል ዘይጥመት ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ብምሕባር፡ ዝሓሸ ዕድላት ትምህርቲ ዝረኸቡን ዝሰጐሙን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት በብዓውዶም ኣበርክቶኦም ምስ ዘዕዝዙ፡ እቲ ውጽኢት ዝዓበየን ዝደመቐን ከምዝኸውን እምነቱ ገሊጹ።

እቶም ዜጋታት ብወገኖም፡ መንእሰያት በብዝተማህርዎ ዓውዲ ኣብ ሃገራዊ መደባት ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ዘለዎም ኣድናቖትን ዝስመዖም ሓበንን ብምግላጽ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ምሁራት ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ዝገብሩሉ መደባት ንምድንፋዕ፡ ብስድራ-ቤትን ማሕበረኮምን ደረጃ ክነጥፉ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

***

Categories