ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ስራሕ ዑደት፡ ትማሊ 3 ሓምለ ምስ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተራኺቡ፡ ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ፕረዚደንታዊ ጉዳያትን ሼኽ መንሱር ቢን ዛይድ ኣልናህያን እውን ዝተሳተፎ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ምዕባለ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት በጺሕዎ ብዘሎ ደረጃ ዕግበቶም ብምግላጽ፡ ክልተኣዊ ናይ ምትሕብባር መደባት ንምድንፋዕ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ኣብ ምዕባይ ቊጠባዊ ወፍሪ፡ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ኩሉ ጽላታት፡ ብቐንዱ ኣብ ሕርሻ፡ ምስናዕን ካልእን ጽኑዕ ባይታ ንትግባረ መደባት ከንጽፉ ድሕሪ ምስምማዕ ድማ፡ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ተጀሚሩ ዘሎ ምትሕብባር ክብ ንምባል ተረዳዲኦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን ኣብ ርክቦም፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድስ ኣህጉራውን ዘባውን ጉዳያትን ምዕባለታቱን ርእይቶታትን ሓሳባትን ተለዋዊጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብ2 ሓምለ እዩ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ገይሹ።

Categories