ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ብምውህሃድ፡ ካብ 24 ክሳብ 29 ሰነ፡ ንሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ኣብ ዝወደቦ ስልጠና፡ ንዘሎ ጸጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካብ 2019 ክሳብ 2023 ዝዝርጋሕ ስተራተጅያዊ ውጥን ነዲፉ።

እቲ ስልጠና፡ ትካላት ብውጥን ተጓዒዘን ጽፉፍን ስሉጥን ኣገልግሎት ንኽህባ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶክተር ኣቤል ሃብተማርያም፡ ብውጥን ዝትግበር ስራሕ ኣድማዕነቱ ልዑል ምዃኑ ብምምልካት፡ ሰልጠንቲ፡ ንውህሉል ተመኲሮኦምን ኣፍልጦኦምን ተጠቒሞም፡ ንዘለዎም ጸጋታት ብዝግባእ ከመሓድሩን ኣብ ስራሕ ከውዕሉን ከምዘኽእሎም ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ እቲ መደብ ንኽዕወት ብሰልጠንትን ኣሰልጠንትን ንዝተራእየ ትግሃትን ተገዳስነትን ብምድናቕ፡ ተግበርቲ ኣካላት መደባቶም ብምውጻእን ከከም ቀዳምነቱ ብምስራዕን፡ ንዓወት ናይ’ቲ ውጥን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ። ምምሕዳር ዞባ ዓቕሚ-ሰቡ ኣብ ምምዕባል፡ ምስ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዝጀመሮ ዕማም ብዝለዓለ ከምዝቕጽሎ ድማ ሓቢሩ።

Categories