ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ – ነበርቲ ዓዲ-ጸጓር፡ ብተበግሶኦም ንሰብን ጥሪትን እተገልግል ራህያ ሰሪሖም።

እቶም ነበርቲ፡ ኣድማዕነት ናይ’ቲ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ጸገማቶም ንምፍታሕ ዘሰላሰልዎ ንጥፈት ስለዝተገንዘቡ፡ ኣብ ትግባረ ዝውጠኑ መደባት ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

እታ ራህያ ድበት ከይትመልእ ንምክልኻል እውን፡ ኣብ ማይ-ክዖታታ ዛላታት ንምስራሕ መደብ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ኣስታት 450 ነበርቲ ዘለዉዋ ዓዲጸጓር፡ ካብ ከተማ ዓዲ-ዃላ ንሸነኽ ምብራቕ ኣስታት 6 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories