ቤት-ምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ን2 ዓመታት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ዘምሃረቶም 80 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 200 ተመሃሮ፡ ብ1 ሓምለ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

ተመረቕቲ፡ 30 ብዕረያ መኪና፡ 24 ብምህንድስና፡ 29 ብንድፊ፡ 29 ብኤለትሪክ፡ 25 ብኤለትሮኒክስ፡ 10 ብሓፈሻዊ ስርሓት ሓጺን፡ 10 ብጽርበት ሓጺን፡ 27 ብቅየሳ፡ 16 ድማ ብጽርበት ዕንጸይቲ ዝተማህሩ እዮም።

ዳይረክተር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ከበደ ተድላ፡ ተመረቕቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት ብኣድማዕነት ኣብ ስራሕ ከንጸባርቕዎ ኣዘኻኺሩዎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርትን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም እውን፡ ተመረቕቲ ሞያዊ ጥበብን ብቕዓትን ተጠቒሞም፡ ኣብ ትግባረ መደባት ልምዓት ብተወፋይነትን ተገዳስነትን ክሰርሑ ትጽቢት ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ኣገንዚብዎም።

ሎሚ ዓመት ንመበል 58 ግዜኣ ተመርቕ ዘላ ቤት-ምህርቲ ስነ-ኪነት ኣስመራ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ተመሃሮ ከምዘፍረየት ሰነዳታ የረድኡ።

Categories