ህዝቢ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ መሰረታዊ ጽገና ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ሓመድ ጽርግያ ደቀምሓረ – ጸሮና፡ ወፈራ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ፡ ኣስታት 600 ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓድሽ-ዓዲ፡ ማይ-ዓይኒን ገነሰባን፡ ኣብ ምስራሕ መእለዪ ወሕጅ፡ መስመር ማይ፡ ምንዳቕ ቢንቶታትን ናይ ከትሪ ስርሓትን ይነጥፉ ኣለዉ።

እቲ 65 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ኩባንያ ኣስቤኮ ዘድሊ ማሽነሪታት ብምውፋር ብምሩጽ ሓመድ እናተደግደገ ይጽግኖ ከምዘሎን ኣስታት 40 ኪሎ-ሜተር ተሳሊጡ ምህላዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ጸገም መጓዓዝያ ዝጸንሖም ነበርቲ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ፡ ጽርግያ ደቀምሓረ -ጸሮና ብዘመናዊ ኣገባብ ምጽጋኑ ንጸገሞም ዝፈትሕ ብምዃኑ፡ በብከባቢኦም ተወዲቦም ንዓወቱ ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories