ኮማዊ ኮሌጅ ትምህርቲ ኣስመራ – 93 ብዲፕሎማ፡ 272 ብሰርቲፊኬት፡ ብድምር 365 ሕጹያትን ደረጃኦም ዘመሓየሹ ነባራትን መማህራን፡ ብ30 ሰነ ኣመሪቑ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ኮለጅ ኣቶ በረኸት ዕቝባረቢ፡ ንተራ ትምህርትን ስልጠናን ኣብ ምምዕባል ሕብረተሰብ ብምጥቃስ፡ መንግስቲ – ብቑዕ፡ ምዕሩይ፡ ኣገዳስን ተሳናዪን ትምህርቲ ኣብ ዜጋታቱ ንምስራጽ፡ ንጹር ፖሊሲ ሓንጺጹ ክሰርሕ ምጽንሑ ጠቒሱ፡ ተመረቕቲ ኣብ ዝተመደብዎ ቦታ ኣስተምሃርትን ተመሃርትን ብምዃን፡ ካብኦም ዝሕተት ከማልኡ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም ድማ፡ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ መንግስቲ ንትምህርቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ብምስራዕ ከካይዶ ብዝጸንሐ ሓያል ወፍሪ፡ እቲ ኣገልግሎት እናሰፍሐ ይኸይድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ እውን ተራኡን ኣበርክቶኡን ከዕዝዝን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ወኪል ተመረቕቲ ብግደኣ፡ ረኺቦምዎ ዘለዉ ፍልጠት ነቲ ዝጽበዮም ሞያዊ ሓላፍነት ከተግብሩ ከምዘኽእሎም ጠቒሳ፡ ንዘምሃሮም መንግስትን ህዝብን ብውፉይ ስራሕ ክኽሕሱ ምዃኖም ኣረጋጊጻ።

ኮማዊ ኮለጅ ትምህርቲ ኣስመራ፡ ሎሚ ዓመት ብደረጃ ዲፕሎም ን6ይ ግዜኡ፡ ብደረጃ ሰርቲፊኬት ድማ ንመበል 21 ግዜ’ዩ ኣመሪቑ።

እዚ ኣቐዲሙ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ምምህርና ስልጠና ዝህብ ዝነበረን ሓደ ካብ ኣሕደርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝኾነን ኮለጅ፡ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ናይ ክልተ ዓመታት ትምህርቲ ብምሃብ፡ ዝያዳ ብቑዓት መማህራን ንምፍራይ ሓያል ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories