ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ጽሬት ኣከባቢ ንምውሓስ ብዝተኻየደ ቀጻሊ ጎስጓሳት፡ ነበርቲ እምባደርሆ ኣድማዒ ንጥፈታት ከምዘሰላሰሉ ተሓቢሩ።

ብ28 ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ 2009 ኮም ዝሰረቱ ናይ ጽሬት ተበግሶታት ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዝተገብረ ጻዕሪ፡ 1089 ዓይኒ-ምድሪ ከምዝተሃንጸ፡ በዚ ድማ ተጠቃምነት ዓይኒ ምድሪ ናብ 91 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን ብወገኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባታት ሰረጀቓ፡ ጋላ-ነፍሒን በሪኽን ልዕሊ 26 ሽሕ ዓይኒ-ምድሪ ከምዝተሰርሐን ኣስታት 155 ሽሕ ህዝቢ ተጠቃሚ ኮይኑ ከምዘሎን ኣብሪሁ።

ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኤርትራ ሚሲስ ሻያ ኣሲንድዋ፡ ብዘይጽሬት ጥዕና፡ ብዘይጥዕና’ውን ምዕባለ ክህሉ ከም ዘይክእል ብምጥቃስ፡ ነበርቲ እምባደርሆ፡ ጽሬት ከባቢኦም ንምውሓስ ንዘሰላሰልዎ ንጥፈት መጒሳ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ንእምባደርሆ ወሲኽካ፡ 89 ዓድታትን ቊሸታትን ኮም ዝሰረቱ ከባቢያዊ ጽሬት ዘተኣታተዋ ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ – ዳዕሮ-ቓውሎስ፡ ዓዲ’ባዃዃይን ዓዲሃከፋን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጃቓ ድማ በለዛ፡ ዛጊት ነቲ ዝተቐመጠ ሸቶ ስለዘይወቕዓ፡ ኣሰር’ተን ዕዉታት ክስዕባ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

Categories