ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ብሞያ ጽርበት ሓጺን፡ ጽገና ኮምፕዩተርን ምዝርጋሕ መርበባትን ንኽልተ ዓመታት ዘምሃረቶም 52 ተመሃሮ ትማሊ 29 ሰነ ኣመሪቓ።

ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ራጉኤል ተኽለ፡ ተመረቕቲ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ፍልጠት ብስራሕን ምርምርን ከማዕብልዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒክን ሞያዊ ትምህርትን ኣቶ ተስፋይ ስዩም ብወገኑ፡ ምሩቓት ውጽኢት ናይ’ቲ ብሞያን ፍልጠትን ዝተዀስኰሰ ዓቕሚ-ሰብ ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ስለዝኾኑ፡ ሞያዊ ብቕዓቶም ክብ ብምባል ኣብ ሃገራዊ መደባት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ገሊጹ።

ወኪል ተመረቕቲ ድማ፡ ዝቐሰምዎ ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ብምትርጓም፡ ህዝብን መንግስትን ዘሰከሞም ሓላፍነት ንምትግባር ብዓጸፋ ክሰርሑ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጻ።

ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዜኣ እያ ተመርቕ ዘላ።

Categories