ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን፡ ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም፡ ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝመጽኡ 472 ተመሃሮ፡ ብ30 ሰነ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኤክስፖ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።

ተመሃሮ፡ ብምሕደራ ንዋት፡ ሕሳብ፡ ሰክረታሪን ምሕደራ ቤት-ጽሕፈትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ቤት-ንባብን ስርዓተሓበሬታን ዝተተሓሓዘ ካልእ ሞያታት ከምዝተመረቑ፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤትትምህርቲ ኣቶ ዳኒኤል ጃምቦ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒክን ሞያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም ብግደኡ፡ ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን፡ ኣብ መዳያት ፋይናንስ፡ ወፍሪን ምሕደራን ኣተኲራ ስለእትነጥፍ፡ ፍሉይነት ከምዘለዋ ጠቒሱ፡ ተመረቕቲ፡ ዓቕሞም ክብ ንምባል ጻዕርታቶም ከሐይሉ ተላብዩ።

ቤት-ትምህርቲ ንግዲ ደንደን፡ ካብ 1999 ክሳብ 2018 ኣብ ዘካየደቶ 16 ናይ ምምራቕ መደባት፡ ብጠቕላላ 4,359 ተመሃሮ ብዲፕሎማን ሰርቲፊኬትን ኣመሪቓ’ላ።

Categories