ፕሮጀክትታት ቀረብ ማይ፡ ሕርሻን ካልኦት መደባት ልምዓትን ናይ ጸዓት ደገፍ ንምሃብ ብዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ዲጋ ምስላም – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ-ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጩ መሳርሒታት ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ።

እዚ ፕሮጀክት’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዲጋ ሎጎ (ዓዲ ሃሎ) ዝተዋደደ ተመሳሳሊ መጠን ዘመንጩ ፕሮጀክት ምዃኑ ዝሓበረ ኣካያዲ ትካል ‘ኤሪቴክ’ ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም፡ ኣካል ናይ’ቲ ብመንግስቲ ተታሒዙ ዘሎ ተጠቃምነት ጸሓያዊ ጸዓት በብመድረኹ ናይ ምስፋሕን ምዕባይን መደብ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ፕሮጀክት ዝሳተፍ ዓቕሚ መንእሰይ ተመኲሮኡን ክእለቱን እናደረበ፡ ብቚጽሪ’ውን እናሰሰነ ይመጽእ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሜጀር ኣኽሊሉ፡ ነቲ ኣብ ዲጋታት ሎጎን ምስላምን ተወሳኺ ነናይ 2 ሜጋ-ዋት መመንጨዊ ጸሓያዊ ጸዓት ንምትካል ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምዝዛም ዘኽእል ዓቕሚ ተጠርዩ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ዕማም ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ’ዚ ክልተ ፕሮጀክትታት ተጠርዩ ብዘሎ ተመኲሮን ዓቕሚን፡ ዝዓበየ ዕዮ ንምትግባር ምሉእ ምትእምማን ከምዘለዎም ገሊጾም።

ተተካኢ ጸዓት፡ ብዘለዎ ብልጫታት ኣገዳስነቱ ኣብ ዓለም እናዓበየ ይመጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories