ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ፈጺሙ ተመሊሱ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዑደቱ፡ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተላእከ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣረኪቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ህልው ኩነታትን ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራትን ብሩህ መጻኢኡን ሰፊሕ ምይይጥ ኣካዪዱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንክብሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ብዙሓት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ሃገርን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ስነጥበበኛታትን ዝተሳተፍዎ ሕውነታዊ ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ዑደት ኣካዪዱ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ምምላሱ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ተቐቢሉ።

Categories