ነበርቲ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ኣብ ሞንጎኦም ንዝነብሩ 141 ስድራ ስዉኣት ልዕሊ 74 ሽሕ ናቕፋ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ 352 ጽምዲ ኣብዑር ብምውፋር ድማ ናይ 240 ስድራ ስውኣት ግራውቲ ከምዝሓረሱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ሓገዝ፡ ምምሕዳር ከባቢ መቐርካ 45 ሽሕ ናቕፋ፡ ደብሪ ዓዲ-ሃንስ 11,700 ናቕፋ፡ ዴዳ 1240 ናቕፋ፡ ደቂ-ሽሓይ 10 ሽሕ ናቕፋ፡ ቀረና ዂዶ 6685 ናቕፋ ከዋጽኣ እንከለዋ፡ ሓበላ፡ ጽላለን ኣደናን ድማ ኣብ ማሕረስን ምጽጋን ኣባይትን ከምዝነጠፋ፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ብውልቂ ይኹን ብኮም ዘበገሶ ሓገዝ ንስድራ ስዉኣት፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ከይተሓጽረ ቀጻልነት ክህልዎ፡ ነቶም ኣዝዮም ጽጉማት ስድራ-ቤታት ድማ ነብሶም ዝኽእሉሉ ባይታ ክፈጥረሎም ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መቐርካ ኣቶ ሚኪኤል ተኽለዝጊ ብግደኡ፡ ዓመታዊ ንስድራ ስውኣት ዝገብርዎ ደገፍ፡ ብፍላይ ኣብ ወቕቲ ማሕረስን ምእካብ ምህርትን ቀጻሊ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝመጽእ ዓመት ብዝለዓለ ክሰርሑሉ ምዃኖም ገሊጹ።

Categories