ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ኩነታት ኣብያተ-ትምህርትን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝግምግም፡ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ርእሰ-መምህራንን ወከልቲ ትካላት መንግስቲን ዝተሳተፍዎ ርክብ ተኻዪዱ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ተስፋሚካኤል ኣርኣያ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ገና ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ ከምዘይበጽሐ ጠቒሱ፡ ቊጽሪ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ክብ ንምባል ክውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት ውጽኢቶም ኣድማዒ ስለዘይኮነ፡ ብዝሓየለ ውዳበ ክስራሓሎም ኣተሓሳሲቡ።

ርእሰ-መምህራን ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻባት፡ ኣብ’ተን ትካላት ትምህርቲ ዘሎ ሕጽረት መሳለጥያታትን ዘይተማልአ ትሕተ-ቅርጽን፡ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዕንቅፋት ይፈጥረሉ ስለዘሎ፡ ቈላሕታ ክግበረሉ ኣዘኻኺሮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት ብግደኡ፡ ሕብረተሰብ – ተዋዲድሉ ንዘሎ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብግቡእ ክጥቀመሉ ዝካየድ ጐስጓሳት ክሕይል ብምዝኽኻር፡ ሕጽረታት’ተን ትካላት ትምህርቲ ብኮማዊ ተሳትፎ ንምምላእ ክስራሓሉ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ካብ ቅድመ-ትምህርቲ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዘምህራ 27 ትካላት ኣለዋ።

Categories