ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ንመእሰያት ሰራሕተኛታት ከተማ ባጽዕ፡ ኣብ ተራ መንእሰያት ኣብ መድረኻዊ ጉዳያት ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብቲ ብ27 ሰነ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ኣቶ ሃይለ፡ ንህልው ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ምህናጽ ንቑሕን ግቡእ ፍልጠት ዝዓጠቐን መንእሰይ መሰረት ኣድማዕነት መደባት ህንጸት ሃገር ስለዝኾነ፡ ዓቢ ኣተኲሮ ተዋሂብዎ ብዕቱብ ዝስራሓሉ ዘሎ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣቶ ሃይለ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ብቑዓትን ኣብነታውያንን መንእሰያት ናይ ምዂስኳስን ምህናጽን ዕማም፡ ውህደት ናይ ኩለን ኣካላትን ሕብረተሰብን ዝሓትት ምዃኑ ኣብሪሁ።

Categories