ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምክልኻል ጠንቂን ሳዕቤናትን ሕማም ዓሶ ብምብራኹ፡ ቀረብ መድሃኒትን መመርመሪ መሳርሒታትን ብምምልኡ፡ ከምኡ’ውን ናሙስያ ብሰፊሑ ብምዝርግሑ፡ እቲ ሕማም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።

ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዝተሰላሰለ ዕማማት ንምግምጋምን ኣብ መጻኢ ዝትግበር ዕዮ ንምንዳፍን – ብ18 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ ዶክተር ከሰተብርሃን ሰሎሞን፡ ኣብ’ቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓቢ ዓወት፡ ተራ መሻርኽቲን ሕብረተሰብን ዕዙዝ ምንባሩ ጠቒሱ፡ ዓሶ ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ውህደትን ምትሕብባርን ብዝለዓለ ክድፋሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ምቍጽጻር ዓሶ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ኪሮስ ሰረቐ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ገለብ፡ ሓልሓል፡ ዒላ-በርዕድን ዓዲ-ተከሌዛንን ኣብ ደረጃ ምጥፋእ ከምዝበጽሐ፡ ኣብ ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ከኣ ኣብ ቅድመ-ምጥፋእ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።

ብመሰረት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ኣብ 1998 ብደረጃ ዞባ በቲ ሕማም ካብ ዝተለኽፉ ልዕሊ 97 ሽሕ ሰባት፡ 63 ከምዝሞቱ፡ ኣብ 2017 ግን ቊጽሪ ሕሙማት ናብ 1600 ክወርድ እንከሎ፡ መጠን ሞት ናብ ባዶ ከምዝወረደ በሪሁ።

ኣብ ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ ጐሊሖም ዝርኣዩ ጸገማት፡ ቅልጡፍ ሕክምና ዘይምግባር፡ ናሙስያ ብስሩዕ ዘይምጥቃም፡ ቦታታት መፋረዪ ጣንጡ ዘይምክትታልን ዘይምጽራይን፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ምስ ስርሖም ዝዳረግ ሞሳ ዘይምርካቦም ምዃኖም እውን ተገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ሕማም ዓሶን ዳንግ ፊቨርን – ‘ዌልካም’ ንህዝቢ የደናግር ብምህላዉ፡ ቀጻሊ ኣስተምህሮታት ክወሃብ፡ ምውጋድ ከሚካላት ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፡ ወከልቲ ጥዕና ዓዲ ዝተባብዑሉ መንገዲ ክናደ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መወዳእታ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ተስፋጼን ግርማይ፡ ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት ተዓቂቡ፡ ሕማም ዓሶ ምሉእ ብምሉእ ንኽጠፍእ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

Categories