ኣብ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንኽልተ ዓመት ዘምሃረቶም 44 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 151 ተመሃሮ፡ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።

ኣብ’ቲ ናይ መመረቕታ ሰነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ ኣቶ ቃልኣብ ዘርኡ፡ ተመረቕቲ – 20 ብዕረያ መኪና፡ 16 ብስራሓት ሓጺን፡ 21 ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ 18 ብስራሓት ህንጻ፡ 17 ብጽርበት ሓጺን፡ 21 ብኤለክትሪክ፡ 21 ብቅየሳ፡ 17 ድማ ብንድፊ ከምእተመረቑ ሓቢሩ።

ተመሃሮ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ መበገሲ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ሞያኦም ንምዕባይ ከይተሓለሉ ክነጥፉ ዘዘኻኸረ ኣቶ ቃልኣብ፡ ዘምሃሮም ህዝብን ሃገርን ንምኽሓስ፡ ኣብ ዝሰላሰል ሃገራዊ መደባት ልምዓት እጃሞም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ – ኣብ 1985 ኣገልግሎት ክትህብ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ዛጊት 730 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 2,905 ተመሃሮ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ ኣላ።

***

Categories