ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ “ምንባይ ስድራ ሰማእታት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጾር ኣይኮነን” ብምባል፡ ገንዘባዊ ኣበርክቶ ገይሮም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኩወይት፡ “ስዉኣትና ብግብሪ ይደበሱ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ሽምዓ ብምውላዕ ሰማእታቶም ኣብ ዝዘከሩሉ ስነ-ስርዓት፡ ሓንቲ ስድራቤት 50 ሽሕ ዶላር ከተወፊ እንከላ፡ ነፍሲወከፍ ስራሕ ዘለዎ ዜጋ ድማ ካብ ደሞዙ ውሱን ስልዒት ከበርክት ተሰማሚዖም።

ኣባላት ውዳበታት ሓፋሽ፡ ማሕበረኮም፡ ውልቀ-ሰባት፡ ከምኡ’ውን ቤተ-ክርስትያን ኣቡነ-ኣረጋውን ቅዱስ ሚካኤልን – ካርቱምን ከባቢኣን ሱዳን ድማ፡ ልዕሊ 9 ሽሕን 600ን ዶላር ወፍዮም።

ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ኣብ ፐርዝ – ኣውስትራልያ፡ ብወፈያን ጨረታን ልዕሊ 4,400 ዶላር ኣውስትራልያ ከወፍዩ እንከለዉ፡ ሽድሽተ ዜጋታት ንሽድሽተ ስድራቤታት ስዉኣት ንኽልተ ዓመት ናይ ምእላይ ሓላፍነት ወሲዶም። ኤርትራውያን ነበርቲ ከለንን ከባቢኣን – ጀርመን ድማ፡ 1,100 ዩሮ ኣበርኪቶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር መብጽዓኦም ዳግም ኣብ ዘሐደሱሉ ኣጋጣሚ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል ልዕሊ 61 ሽሕን 500ን ራንድ፡ ኣብ ከተማ ቦስተን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብሩ ዜጋታት ድማ ንተመሳሳሊ ዕላማ 17 ሽሕ ዶላር ወፍዮም።

***

Categories