ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ በያን፡ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን፡ ናብ ዓድታቶም ዘእቱ 135 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ብወፈራታት ይጽግኑ ኣለዉ።

እቲ ሓምሻይ ወርሑ ኣቚጺሩ ዘሎ ስራሕ፡ ካብ ምምሕዳር ከባቢ በያን ተበጊሱ፡ ብከተማ ናቕፋ ሓሊፉ ናብ ማሬት፡ ባቕላ፡ እንድላልን ላባን ዝበጽሕ’ዩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ያቆብ እድሪስን ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተስፋይ እዮብን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ብቐንዱ ኣብ ምስራሕ ከትርታትን ዛላታትን፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ጽርግያታት ዘተኰረ ንጥፈታት ክሰላሰል ምጽንሑ ጠቒሶም፡ እቲ ሕጂ ብኮማዊ ውዳበ ዝዕመም ዘሎ ዕዮ፡ ምግፋሕን ምምድማድን ጸበብቲ ጽርግያታትን ምሕጻር ጥውይዋይ ዝበዝሖ መስመራትን ከምዘጠቓልል ገሊጾም።

ተሳተፍቲ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕማም ንዝነበሮም ጸገም መጓዓዝያ ዘቃልል ምዃኑ ጠቒሶም፡ እቲ ጽርግያ ብተራ መሳርሒታት ማእቶት ነባሪ ጽገና ክግበረሉ ስለዘይክእል ግዳ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ቈላሕታ ክገብሩሉ ሓቲቶም።

ንሳቶም ወሲኾም፡ ካብ ናቕፋ ናብ ንኡስ ዞባ ኣዶብሓ ዝኣቱ 72 ኪሎ-ሚተር ጽርግያ፡ ብምትሕብባር ነበርቲ ክልቲኡ ንኡሳን ዞባታት ከምእተጸገነ ሓቢሮም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዞባ ማእከል መንእሰያት ምምሕዳር ከባቢ እምበይቶ – ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ካብ 1500 ክሳብ 2000 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል መድረኽ ክሰርሑ እንከለዉ፡ ኣስታት 350 ሜተር ኲብ እምኒ ከምዝኣከቡን ብዝናብ ዝዓነወ ኣባይቲ ከምዝጸገኑን ተፈሊጡ። ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ ድማ ብማሽነሪ ተጸጊኑ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣርባዕተ ኣስመራ ብዝተሰላሰለ ወፈራዊ ማእቶት ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ 5 ኪሎሜተር ቅናታዊ ዛላ ከምእተሰርሐን 2,400 ጐዳጒዲ ንፈልሲታት ከምእተዳለወን፡ ከምኡ’ውን 460 ፈልሲታት ከምእተተኽለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ስራሕ፡ ኣብ ከባቢታት ቤት-ገርጊስ፡ ስካሪኮ፡ ቤተ-ክርስትያን ኪዳነ-ምህረትን ፓርክ ሰማእታትን እዩ ተኻይዱ።

Categories