ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ መነባብሮ ስንኩላን፡ ስድራ ስዉኣትን ጽጉማትን ንምምሕያሽ ብዘተግብሮ ዘሎ ናይ ምጥያስ መደባት፡ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ካሮሳታት ዓዲሉ።

እተን ካሮሳታት፡ ዛጊት ኣብ ፎርቶ-ሳዋ ን150፡ ኣብ ሓጋዝ ን90፡ ኣብ ሎጎ-ዓንሰባ ን50፡ ኣብ ኣፍዓበት ን40፡ ኣብ ዓረዛ ን20፡ ኣብ ሓልሓል ድማ ን16፡ ብድምር ን366 ዜጋታት’የን ተዓዲለን።

ተጸዋዒ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ዑቕባማርያም ተኽለን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጎስን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እቲ መደብ ጽጉማት ስድራ-ቤታት ብምልላይ ዝተተግበረ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምፍጣር ሽቕለትን ምምሕያሽ መነባብሮን ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ድማ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ኣቶ ሰለሞን መሓሪ፡ እተን ካሮሳታት፡ ኣቐዲሙ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ ጸገማቶም ንዝተለለየ 39 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም፡ ካብ ምምሕዳራት ከባቢ ሓሽሻይ፡ ዓዳለት፡ ሓርነት፡ ሓሺሻይ፡ ጎልያ፡ ባዶብ፡ ፋና፡ ዓድፋካይ፡ ሸንጌን፡ ኣወንጀሊ፡ ግላስ፡ እንጭናቅን ስ/ ናዝሬት በይን ኢዳምርን ንዝተለለዩ ከምእተዋህበ ሓቢሩ።

Categories