ኣብ ከተማ ድባርዋ፡ ንተመሃሮን መንእሰያት ሰራሕተኛታት መንግስትን፡ ኣብ ልግሲ ደም ብሓፈሻ፡ ወለንታዊ ልግሲ ደምን ረብሓኡን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ፡ ብ18 ሰነ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ንዓይነታት ደም፡ ብሰንኪ ጥንስን ሕርስን ዘጋጥም መድመይቲን ሳዕቤናቱን፡ ከምኡ’ውን ንረብሓ ምኽዛን ደምን ካልእን ዝምልከት መብርሂ ብክኢላታት ቀሪቡ።

ሓላፊ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ርእሶም ገብርሂወት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዞባታት ጥራይ ተደሪቱ ዝጸንሐ ንጥፈታት ማሕበር ናብ ንኡስ ዞባታት ምስፍሕፋሑ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዝተወሃሃደ ጻዕሪ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ድማ ኣብ ምስሳን ትሕዝቶን ዕብየት ንጥፈታትን ሃገራዊ ባንኪ ደም ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ዘይምዃኑን፡ ኣባላት ዕዙዝ ኣበርክቶ ክገብሩን ኣዘኻኺሩ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ተኽለማርያም ገብረእየሱስ ብግደኡ፡ ብማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ነቲ ብሰንኪ ሕጽረት ደም ዘጋጥም ሞት ኣብ ምውጋድ ልዑል ተራ ከምዘለዎ ጠቒሱ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ብምዕባይ፡ ንጥፈታት ማሕበር ንምድንፋዕ ኣብ ዝካየድ ዕዮ፡ ምትሕብባር ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ከምዘይፍለዮ ኣረዲኡ።

Categories